1 – ገጽ ክሊኒካዊ ኣገልግሎት

ብሎሰም ክሊኒክ – ብልዕቲ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ (ሊድስ)

ነተን ብሰንኪ ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዚሳቐያ ዘለዋ ነፍሰጾር ዘይኰና ኣንስቲ ንምሕጋዝ ኢና መጺእና። ንሓደ ኻብቶም ክኢላታት ማሕበረሰብና ዝዀኑ ኣማኸርቲ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማንን ብዘይ ፍርድን ከተዘራርበኤን ትኽእላ ኢኽን። እንታይ ከም ዘጋጠመክን ምእንቲ ኽትርድእኦ ሕክምናን ደገፍን ክትረኽባሉ እትኽእላሉ ድሕንነት ዘለዎ ቦታ ኢና ምትእምማን ንኽትረኽባ ድማ ክንሕግዘክን ንኽእል ኢና።

 

2 – ናይ ብሎሰም ክሊኒክ ገጽ

ነተን ካብ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝደሓና ነፍሰጾር ዘይኰና ብሎሰም ክሊኒክ

ርኸባና፦

ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቝጽርታት ብምድዋል ቈጸራ ሓዝ።

መዓልቲ ክሊኒክ፦ ሰሉስ ሰዓት 10 ቅ.ቐ – 6 ድ.ቐ

ናይ ተጣባቒ ደገፍ ፡-

ሰኑይ ሰዓት 9 ቅ.ቐ – 5 ድ.ቐ

ሰሉስ ሰዓት 10 ቅ.ቐ – 6 ድ.ቐ

ረቡዕ ሰዓት 10 ቅ.ቐ – 3 ድ.ቐ

ተጣባቒት – ሃዋ ባህ – 07824 580 988 ወይ 0113 2718277  ​

ኣካያዲት ስራሕ – ሻረን ብራውን – sharonb@touchstonesupport.org.uk

 

ብሎሶም ክሊኒክ

ምዝራብ ፈውሲ እዩ

ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ (ኤፍ ጂ ኤም) ብዙሓት ኣንስቲ ሒዘንኦ ዚመጻ ምስጢራዊ ስቓይ እዩ ። እዚ ኸኣ ብባህሊ ወይ ብሃይማኖታዊ ምኽንያታት ደይ መደይ ኢልካ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ምቝራጽ ፣ ናይ ምጕዳእ ፣ ወይ ናይ ምቕያር፤ ልምዲ ኢዩ ።

 

ምቝራጽ ዘምጽኦ ጽልዋ

ድሕሪ ምቑራጽ ብህይወት ዚተርፋ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ነባሪ ናይ ጥዕና ጸገማት የጓንፈን እዩ ።

  • ናይ ፍርሂ ስምዒት
  • ናይ ምሻን ጸገማት
  • ዜሳቒ ተዘክሮታት
  • ሃንደበታዊ ኣሉታዊ ተዘክሮታት
  • ረኽሲ ኣብ ብልዕቲ
  • ዘየቋርጽ ቃንዛ
  • ቃንዛ ዘለዎ ጽድያት
  • ጸገማት ኣብ ጾታዊ ርክብ
  • ሻቕሎትን ጭንቀትን
  • ርእሰ – ምትእምማን ምስኣን

 

ብሎሶም ክሊኒክ  ምሕዋይ ዚጅመረሉ ቦታ እዩ ። ነተን ብሰንኪ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዚሳቐያ ዘለዋ ነፍሰ-ጾር ዘይኰና ኣንስቲ ንምሕጋዝ ኢና መጺእና። ንሓደ ኻብቶም ክኢላታት ማሕበረሰብና ዝዀኑ ኣማኸርቲ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማንን ብዘይ ፍርድን ከተዘራርባ ትኽእላ ኢኽን። ክሊኒክ ብሎሰም ሕክምናዊ ሓገዝ ክትረኽባሉ እትኽእላ ውሑስ ቦታ ኢዩ ፡ እንታይ ከም ዘጋጠመክን ንኽትርድኦኦን ፡ ምትእምማን ንኽትረኽባን ድማ ደገፍ ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን።

 

ብዛዕባኡ ኽትዛረባሉ እንተ ኽኢልክን ፣ ክትዋጽኣሉ ትኽእላ ኢኽን ።

 

ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል

  • ውሑስቦታ
  • ምሉእብምሉእ ስቱር
  • ኣካላዊምልክታትምግምጋምንምሕካምን
  • ኣብፈለማሓደ-ን-ሓደ ዚግበርደገፍ
  • ክሳዕሽዱሽተግዜዚወስድተኸታታሊ ደገፍ
  • ናብካልእኣገልግሎትንኽትኣቱሓግዝ
  • ስምዒታውንግብራውንሓገዝ
  • እንደገናምትእምማንምህናጽ
  • ካልእቋንቋታት‘ውን ነእንግድ ኢና

 

ተወሳኺ ደገፍ (ኣብ ሕብራዊ ሳጹን)

  • ሓንቲ ሰብ ብኡንብኡ ኣብ ሓደጋ ከምትወድቕ እንተኣስተብሃልክን 999 ብምድዋእ ፣ ብኡንብኡ ናብ ፖሊስ ደውላ።
  • ሓንቲ ሰብ ኣብ ሓደጋ ዘላ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑክን ብ0800 028 3550ወይfgmhelp@nspcc.org.uk ናብ NSPCC ናይ ሓገዝ መስመር ደውላ።
  • ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጓልክን ንኺፍጸም ጸቕጢ እንተ ተገይሩልክን ፣ ንጂ. ፒ. ሕተታ ፡ ንተኸታታሊት ጥዕና ቆልዓ ፡ ወይ ንካልእ ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕና ፡ ናብ NSPCC ናይ ሓገዝ መስመር ደውላ።
  • እንተ ተኸንሺብክን ካብ ሓደ ኽኢላ ሓኪም መፍረ ኤን.ኤች.ኤስ. ሕገዝ ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን – ንጂፒ ተወከሳ ፡ መሕረሲትክን ወይ ንካልእ ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕና ብዛዕባ ኣብ ከባቢኽን ዘሎ ኣገልግሎት ክትሓታ ትኽእላ።
  • ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚአን እተኸንሸባ ደቂ ኣንስትዮ ኣገልግሎት ኣሎ። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ምእንቲ ኽትረኽባኦ ምስ . . ወይ ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕና ተዘራረባ። ተሌፎን መይል ወይ መልእኽቲ ኽትልእኻ ትኽእላ ኢኽን ቻይልድላይን https://www.childline.org.uk/get-support/
  • ጥኑሳት እንተ ዄንክን ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ እንተ ኣጋጢሙክንን ብ0113 2065477 ምስ ኣገልግሎት ሃምላ ኽትራኸባ ትኽእላ ኢኽን